ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ንረብሓ ህጻናት ይሰርሕ።

ሓበሬታ ንወለዲ

ብዙሓት ስድራቤታት ካብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ደገፍ ይረኽባ

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ይርከብ። ኣብኡ፣
ህጻናት ብውሑስ መንገዲ ዝዓብዩሉ ዕድል ይረኽቡ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ናይ ምርግጋጽ
ሓላፍነት ዝስከሙ፡ ኣብ ጠለባት ህጻናት ኣድሂቦም ዝሰርሑን ሰብ-ፍሉይ-ክእለትን ሰራሕተኛታት
ማሕበራዊ ጉዳያት ኣለዉ። እዚ ብተግባር ክትርጎም እንከሎ ሕማቕ ስነኣእምሮኣዊ ዝንባለ ንዘለዎ
ወይ ግህሰታዊ በደል ፈጺሙ ንዝፈለጥ ወላዲ ዝርከባ ስድራ-ቤት ምድጋፍ ማለት እዩ። ብተወሳኺ
ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ንህጻናትን ወለዲን ካብ ግህሰት መሰላት ወይ ካብ በደል
ክከላኸለሎም ኣለዎ።

ብኣውርኡ ነገራት ኣብ ገዛ እዮም ክመሓየሹ ዘለዎም

ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ድማ ብብዙሕ መንገዲ ደገፍ ክገብር ይኽእል እዩ። ንቡር ደገፍ
ኩልና እንሰማምዓሉ፡ ነቲ ግቡእ ዝበሃል ዓይነት ደገፍ ዝምልከት። ንኣብነት ዕቱብ ግርጭት ዘጋጠመን
ስድራቤታት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ጽቡቕ ልምዲ ካብ ዘለዎ ሰባት ደገፍ
ክሓታ ይኽእላ እየን። ብመገዲ ብውልቂ ዝግበር ይኹን ብደረጃ ጉጅለ ዝካየድ ዝርርብ፡ ከም
ወላዲ ሓላፍነትካ ንኽትዋጽኣሉ ዝሕግዘካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንህጻናት ተጸዋዒ ሰብ ናይ
ምርካብ ወይ ምስ ካልኦት ህጻናት ናይ ምርኻብ ተኽእሎ ኣለዎም ኣብ ተማሳሳሊ ኵነታት።

ዝኾነ ይኹን ሰብ ደገፍን ውሕስነትን ንኽረክብ ከመልክት ይኽእል እዩ

ደገፍን ሓለዋን የድልየኒ እዩ ዝብል እምነት እንተሎካ፣ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን
ብምኻድ ኩነታትካ ከተረድእ ትኽእል ኢኻ። ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ፡ ህጻናትን ወለዲን ብሓባር
ንሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ኪውከስዎ ይኽእሉ እዮም።

ምስ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ንምዝርራብ፣ ነቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማኹም ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ ተወከሱ። ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር ከተማ ቁጽሪ ተሌፎንን ካልኦት መራኸቢ ኣድራሻታትን ክትረኽቡ ኢኹም።

ገለ ሻቕሎት ወይ ድማ ጭንቀት ዝስምዖ ሰብ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ክምዝገብ ይኽእል እዩ

ህጻን ብሕማቕ መንገዲ ይእለይ ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ ስክፍታኡ ንሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ከፍልጥ ይኽእል እዩ። ትሕብር ኣለኻ ማለት ነቲ ወላዲ ተቃልዖ ኣለኻ ማለት ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ስክፍታ ዝፈጠረልካ ኵነታት ተፍልጥ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ፣ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ ትካላት ኣልግሎት ጥዕና ዝሰርሕ ሰብ፡ ዘይግቡእ ኣተኣላልያ ህጻን እንተተዓዚቡ፣ ብዛዕባ ስክፍታኡ፡ ከም’ቲ ሕጊ ዝእዝዞ፡ ንሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ከፍልጦ ኣለዎ።

ሓበሬታ ብቐጥታ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን እዩ ክቐርብ ዘለዎ። ብዛዕባ ናይ ሓደ ህጻን ሃለዋት ሕቶ ከተቕርብ እንተ ደሊኻ፡ ናይ’ቲ ህጻን ስም ከይረቛሕካ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።

ዝስዕብ ከ እንታይ እዩ?

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓደ ህጻን ሓለዋ ወይ ደገፍ ከምዘድልዮ እንተኣሚኑ፣ ነቲ ህጻንን ኰነ ነታ ስድራቤት ይሓይሽ እዩ ዝበሎ ፍታሕ ከናዲ ግዴታ ኣለዎ። እዚ ድማ ‘መስርሕ መርመራ ኩነታት ህጻን’ እዩ ዝበሃል። ኣብ’ቲ መስርሕ መርመራ ወለዲን ህጻናትን ክሳተፉ ኰነ ሓሳቦም ክህቡ ይኽእሉ። ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ከም ኣዝማድን መማህራንን ምስ ዝኣመሰሉ ንህጻን ብኣካል ዝፈልጥዎ ካልኦት ሰባት እውን ክዘራረብ ኣለዎ። ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ብዛዕባ ከመይ ዝኣመሰሉ

ጉዳያት እዩ ደጊሙ ክሕብር ዝኽእል?

ዝኾነ ይኹን ምስ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ርክብ ዘካየደ ሰብ ተኣፋፊ ሓበሬታ ብግቡእ ከምዝተሓዝ እምነት ከሕድር ኣለዎ። ስለዚ፣ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓበሬታ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ምስጢራውነት ይበሃል። ከም መጠን መዕበዪ ወይ ኣላዪ፣ ብዛዕባ ኩሎም ንደቅኻ ዝምልከቱ ጉዳያት ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለካ። ይኹን እምበር ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ንህጻን ኣብ ሓደጋ ከእትዎ እዩ ኢሉ ብዛዕባ ዝኣመነሉ ጉዳይ ዘይክሕብር ይኽእል እዩ። ህጻን እናዓበየ ብዝኸደሉ መጠን፣ ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰሉ እውን ማዕረ-ማዕሪኡ እናለዓለ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ዝጐበዙ ህጻናት እቲ ዝኣልዮም ሰብ ገለ-ገለ ሓበሬታታት ንኽረክብ ንኸፍቅዱ ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም።

ህጻን ኣብ ገዛ ዘይነብር እንተኾይኑ ዘድልዮ ደገፍ

ህጻን ኣብ ገዛ ክቕመጥ ዘይጥዕሞ እንተኾይኑ፣ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታ ክነብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት ህጻን ምስ ካልእ ስድራቤት (ኣብ መንበሪ ገዛ ናይ ስድራቤት) ወይ ኣብ መእለዪ ማእከል (HVB) ክነብር ይኽእል። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፣ ወለዲ ካብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ንሜላ ኣተዓባብያ ህጻን ብዝምልከት ብቕዓትካ ክብ ከተብል ዘኽእለካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል። እቲ ዕላማ ኩሉ ሳዕ ብዝተኻእለ መጠን፡ ነገራት ንህጻን ብዝጥዕም መገዲ ከምዝኸዱ ምግባር እዩ።